ምጥባው ይኸብደኒ ኔሩ። ስለቲ ዝሃብኩምኒ ምኽሪ ኣዝየ እየ ዘመስግን፡ብዝበለጸ ሓጊዙኒ።
Nesrin K. ምስ ህጻና፡ 6 ኣዋርሕ
ብላዕ
ሚዛናዊ መግቢ ንጥዑይ ዕብየት ውላድኪ ኣገዳሲ እዩ። ኣብናይ ውላድኪ ቀዳመይቲ ዓመት ጥዑይ ኣመጋግባ ክህልዎ ንመኽረኪ።
ኣመጋግባ ኣብተን ቅዳሞት 4 ኣዋርሕ
ድሕሪ ምውላድኪ ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ኣዋርሕ፡ውላድኪ ጸባ ጡብ ወይ ጸባ ፎርሙላ ይምገብ። ንውላድኪ ጡብ ከተጥብዊዮ ወይ ድማ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ጸባ ዕሸል ካብ ጥርሙዝ ክትምግብዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ምብላዕ ካብ 5ይቲ ክሳዕ 7ይቲ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ
ነቲ ህጻን ድሕሪ 4 ወርሒ ቅድሚ ምጥባው ወይ ቅድሚ ጡጦ ምሃብኪ ልስሉስ መግቢ ምስ ጸባ ሓዊስኪ ክትህቢዮ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ህጻን ተገዳስነቱ ባዕሉ እዩ ዘርኢ። ብሓደ መግቢ (ኣሕምልቲ ወይ ፍረታት) ብጸባ ዝሓቐቐ ልስሉስ መግቢ ጀምሪ። ሒደት ማንካታት ናይ ብጸባ ዝሓቐቐ መግቢ እኹል እዩ። ውላድኪ ክሳዕ ዝጸግብ ዝኣኽሎ መጠን ልስሉስ መግብን ተወሳኺ ጸባን ክሰቲ ይመርጽ። ገለ ህጻናት ኣብ መበል 10ይ ወርሒ ንምብላዕ ደስ ይብሎም - ንነብስኽን ንውላድክን ግዜ ሃቢ!
ካብ 7 ወርሒ ክሳብ 2 ዓመት ዕድመ ምምጋብ
ውላድኪ በብቑሩብ ዝያዳ ልስሉስ መግቢ ክበልዕ እዩ። ሕጂ ጸጊቡ ንኽውዕል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝበልዓሉ እዋናት ካርቦሃይድሬት የድልዮ። እዚኦም ከም ድንሽ፡ኣብ ኣሕምልቲ ዝኣተወ ልስሉስ መግቢ፡ኣእካል፡ፍሩታ ዘለዎ ልስሉስ መግቢ ወይ ልስሉስ መግቢ ዘለዎ ናይ ጸባ-እኽሊ ዘጠቓልሉ እዮም። ንጽቡቕ ቀረብ ሓጺን፡ውላድኪ እንተወሓደ ካብ 7ይ ወርሒ ጀሚሩ ብሓጺን ዝሃብተመ መግቢ ክምገብ ኣገዳሲ እዩ። ሓጺን ኣብ ስጋን ዓሳን ወይ እንቋቑሖን (ከም ኣማራጺ ናይ ኣሕምልቲ ዘዘውትሩ ኣመጋግባ) ይርከብ። ካብ 7ይቲ ወርሒ ጀሚርኪ፡ኣብ ልዕሊ እቲ እትህብዮ ልስሉስ መግቢ ለውጢ ክኾኖ በጻብዕቱ ክበልዖ ዝኽእል መግብታት ከም ልስሉስ ዝፈልሐ፡ዝተመትረ ኣሕምልቲ ወይ ድማ ናይ ሩዝ ዋፍል ክትቕርብሉ ትኽእሊ ኢኺ።
ካብ 2 ክሳብ 3 ዓመት ዕድመ ምምጋብ
ኣብ ምጅማር እታ 2ይቲ ዓመት፡እቲ ህጻን ካብቲ ኣብ ስድራ ዝቕረቡሉ ጣውላ ክበልዕ ክጅምርን ክተባባዕን ኣለዎ። እቲ ህጻን ከምቲ ዝድለ ኣይዓብን እዩ ዘሎ፡ስለዚ እቲ ትሕዝቶ ውሑድ እዩ። እቲ ህጻን ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ቢያቲ ምምጋብ‘ውን ይመርጽ እዩ። ኣብ መኣዲ ሓቢርካ ምብላዕ ነታ ስድራ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከም ወላዲት መጠን ንስኺ ኢኺ፡ነቲ ብዝሒ ምምጋብን ዓይነት መግብን ትውስንዮ። ውላድኪ ነቲ መጠን ክውስኖ ይኽእል እዩ። ውሑዳት መግብታት ጥራይ እየን ዘይሰማምዖኦ። እዚኦም ድማ ንውላድኪ ብመሰረቱ ክሓንቅዎ ዝክእሉ ከም ጥረታትን ካራሜላን ዝኣመሰሉ መግብታት ዘጠቓለሉ እዮም።