ኣማኻሪ ወለዲ ምስ ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ኣዴታት ንኽራኸብ ሓጊዙኒ። ቋንቋ ጀርመን ጽቡቕ ጌረ ኣይዛረብን እየ በይነይ ክገብሮ ኣይምደፈርኩን።
Farah A. ምስ ሓደ ቆልዓ ወዲ 4 ኣዋርሕ፡ ካልኣይ ቆልዓ ወዲ 3 ዓመት

ሰራሕተኛ ኢኺ ከምኡ’ውን ክንክን ጥዕና የድልየኪ እዩ። ውላድኪ ምስ ካልኦት ቆልዑ ክጻወተሉ ዝኽእል ናይ ስድራቤት ቀረባት ትደልዪ ኣለኺ ዲኺ? ሓቢርና ዝጥዕመኪ ቀረባት ክንረክብ ኢና።
ውላድኪ ኣብ መውዓሊ ማእከል፡ማእከል ክንክን ድሕረ-ትምህርቲ ወይ ዘውዕሉ ስድራቤታት ክውዕለልኪ ይኽእል እዩ። እቲ ቀረብ በቲ እትነብርሉ ቦታ ይፈላለ እዩ። ንውላድኪ ትደልዪዮ ቀረብ ኣብ ከባቢኺ ኣብ ምርካብ ክንሕግዘኪ ኢና። ትሑት ኣታዊ ዘለኪ እንተድኣ ኴንኪ፡ንክንክን ውላድኪ ዝኸውን ቁጠባዊ ሓገዛት ንክትረኽቢ ክንሕግዘኪ ኢና።
ከም ምትእኽኻብ ናይ ስድራቤት ወይ መጻወቲ ባይታ ዝኣመሰሉ ንመላእ ስድራቤትን ህጻናትን ዝኸውን ኣብ ተረፍ ግዜ ክግበሩ ዝኽእሉ ብዙሓት ንጥፈታት ኣለዉ። እቲ ቀረብ በቲ እትነብርሉ ቦታ ይፈላለ እዩ። ኣብቲ ዘለኽዮ ቦታ እቲ ዝበለጸ ቀረብ ንኽትረኽቢ፡ክንመኽረክን ክንሕግዘክን ኢና ከምኡ’ውን ምሳኺ ክንሰርሕ ኢና።
ኣማኻሪ ወለዲ ምስ ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ኣዴታት ንኽራኸብ ሓጊዙኒ። ቋንቋ ጀርመን ጽቡቕ ጌረ ኣይዛረብን እየ በይነይ ክገብሮ ኣይምደፈርኩን።
Farah A. ምስ ሓደ ቆልዓ ወዲ 4 ኣዋርሕ፡ ካልኣይ ቆልዓ ወዲ 3 ዓመት