ውሑድ ደቂስና ብዙሕ ንካታዕ ኔርና። ብደገፍ ኣማኸርቲ ወለዲ ሕጂ ከም ስድራቤት ንጸቕጢ ብዝበለጸ ክንገጥሞ ንኽእል ኢና።
Dianaን Pedro R. ምስ ህጻኖም፡ 10 ኣዋርሕ

ውላድኪ መጀመርታ ናይ ምድቃስ-ምብርባር ዙረት ክለምድ ኣለዎ። ምሕቃቕ መግቢ እውን መጀመርታ ክረጋጋእ ኣለዎ። ዝበዝሑ ህጻናት ኣብዛ ናይ መጀመርታ እዋኖም ፍሉይ ክንክን የድልዮም። ገሊኦም ኣመና እዮም ዝበኽዩ፡ንኽትእብዶም ከኣ ከቢድ እዩ። እዚ ንወለዲ ኣዝዩ ኣጨናቒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት፡ሓቢርና ክንማኸርን መፍትሒ ክንረኽበሉን ኢና።
ኣገዳሲ፡ንውላድኪ ከይትሓቚንዮ። ምሕቋን ሓደገኛ እዩ።
ዝበኪ ዘሎ ውላድኪ ጽቡቕ ከምዘየለ እዩ ክሕብረኪ ዝደሊ ዘሎ፡ንዓኺ ከም ወላዲት ኮነ ኢሉ ከሕርቐኪ ኣይኮነን ከምኡ ዝገብር ዘሎ። ብምሕቛፍ፡ዝፈልጦ ድምጺ ብምስማዕ ወይ ድማ ርጉእ ትርግታ ልቢ ዝበዝሕ ግዜ ይሃድእ እዩ። ደብዛዝ ብርሃን ወይ ጸጥ ዝበለ ከባቢ ንውላድኪ ኣብ ምህዳእ ሓጋዚ እዩ።
ኣገዳሲ፡ንውላድኪ ከይትሓቚንዮ። ምሕቋን ሓደገኛ እዩ።
ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ስሙናት፡ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ውላድኪ ዝትስኣሉን ዝድቅሰሉን እዋናት ቀዋሚ ኣይኮነን። ውላድኪ ምስ ግዜ ኣብ እዋን ቀትሪ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ክነቅሕ እዩ፡ኣብ መንጎ’ውን ቅሩብ ክድቅስ እዩ። ኣብ ግዜ ለይቲ ድማ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ይድቅስ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ቁሩብ እዋናት ይትስእ። ነቲ ናይ ቀትርን ለይትን ፍልልይ ንኽርድኦ ኣብተን ዝትስኣለን እዋናት ኣብ ግዜ ቀትሪ ብጸወታታት፡ምዝርራብ፡ምሕጻብ ኣካላት፡ወዘተ፡ብትግሃት ልምዲ ኣትሕዝየን።
ሓደ ቆልዓ ብኽያት ዘየቋርጽ እንተድኣ ኮይኑ፡ንወለዲ ኣዝዩ ዘጨንቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዋላ ንዓሰርተ ደቓይቕ እንተድኣ ምእባድ ወይ ምህዳእ ኣብዩ፡ንወለዲ ኣዝዩ ዓቕሊ ዘጽብብ ኩነታት ክኸውን ይኽእል እዩ። ቀጻሊ ምውጫጭ ቀልጥፍኪ ከም እትሓርቂ ወይ ከም እትደኽሚ’ዶ ይገብረኪ? ዓቕልኺ’ዶ የወድኣኪ ኣሎ? ስለዚ ካብ ቤተሰብኪ ወይ ካብ ክኢላታት ሓገዝ ርኸቢ።
ኣገዳሲ፡ንውላድኪ ከይትሓቚንዮ። ምሕቋን ሓደገኛ እዩ።
ቆልዓ እንተድኣ ተሓቚኑ፡ርእሱ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ክነዋነው ይኽእል እዩ። እዚ ንርእስን ኣእምሮን እቲ ቆልዓ ክሃስዮ ይኽእል እዩ። ናብ ዘኽፍአ ስንክልና ወይ ሞት ከይተረፈ’ውን ከስዕብ ይኽእል እዩ። ርእሲ እቲ ቆልዓ ከይሓዝካ ሃንደበታዊ ምንቅስቓስ ወይ ድማ ነቲ ቆልዓ ከተጻውቶ ኢልካ ናብ ላዕሊ ምስንዳው እውን ሓደገኛ እዩ። ውላድኪ ብቐጻሊ ስለዝበኪ ተጨኒቕክን ዓቕልኺ ጸቢብክን ኣሎ ድዩ? ንቆልዓኺ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቐምጥዮ፡ንኣብነት ኣብ መደቀሲ ዓራቱ ወይ ኣብ መሬት ጌርኪ፡ነቲ ክፍሊ ገዲፍክዮ ውጺ፡ሓገዝ ድማ ሕተቲ።
ውሑድ ደቂስና ብዙሕ ንካታዕ ኔርና። ብደገፍ ኣማኸርቲ ወለዲ ሕጂ ከም ስድራቤት ንጸቕጢ ብዝበለጸ ክንገጥሞ ንኽእል ኢና።
Dianaን Pedro R. ምስ ህጻኖም፡ 10 ኣዋርሕ